Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 21:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 21:8
6 Referencias Cruzadas  

እቶም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ዝተቐመጡ ልኡኻት፥ ብትእዛዝ ንጉስ ብቕልጡፍ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ወፁ። ከምኡውን እቲ ትእዛዝ ኣብ ከተማ ሱሳ ተኣወጀ።


ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።


እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ።


ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ።


ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos