Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 21:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 21:7
21 Referencias Cruzadas  

ጓሶት ጌራራ ከዓ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዙይ ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሓቅ ከዓ ምስኡ ስለ ዝተበኣሱ፥ ነቲ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመዮ።


ሰጥራይ በዓል ሳሮን ናይተን ኣብ ሳሮን ዝጓሰያ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ። ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ናይተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ።


ያዚዝ እቲ ኣጋራዊ ድማ ሓለቓ ኣባጊዕን ኣጣልን ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ።


ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።


ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።


ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።


ጓል ካህን መበለት ወይ ፍትሕቲ እንተ ኾይና፥ ውሉድውን እንተ ዘይብላ፥ ተመሊሳ ድማ ኸምቲ ብጓላ ዝነበረቶ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተ ተቐሚጣ፥ ካብ እንጀራ ኣቦኣ ትብላዕ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።


ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን።


ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።


ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤


እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ።


ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ።


ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።


ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።


ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ።


ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos