2 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ።
ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ።
ኣብ ዓናቶት፥ ኣብ ኖብ፥ ኣብ ሓናንያ፥
መንገዲ ዓመፅ ካባይ ኣርሕቕ፤ ሕግኻውን መሃረኒ።
ኦ ጐይታ፥ ንኣፈይ ሓላዊ ግበር፤ ማዕፆ ኸናፍረይውን ሓሉ።
በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ።
ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
ሽዑ ሳኦል ንሜልኮል “ስለ ምንታይከ ኸምዙይ ጌርኪ ኣታለልክኒ? ነቲ ፀላእየይከ ስለ ምንታይ ከምልጥ ሓደግክዮ?” በላ። ሜልኮል ከዓ ንሳኦል “ንሱ ‘ከምልጥ ሕደግኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” በለቶ።
ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ።
ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ።
ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ።