11 ንኣንኩስ ከዓ እቶም ሓሻኽሩ፥ “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ሃገርዶ ኣይኮነን? እቲ ‘ሳኦል ሺሕ፥ ዳዊት ድማ እልፊ ቐተለ’ ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።
ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ።
ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።
ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን፥ ተሲኦም ናብ ቤት ንጉስ ናብ ወዲ ኣሜህ ናብ ኣንኩስ ተሳገሩ።
እዙይስ እቲ ደረፍቲ እናሳዕስዓ፦ ‘ሳኦል ሽሕ፥ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ’ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?”