10 ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ።
ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ።
ኦ ጐይታ ሰብ ረጊፁኒ እዩሞ መሓረኒ፤ ኵልሻዕውን ብሰልፊ ኣጨኒቑኒ እዩ።
ንጉስ ኢዮኣቄምን ኵሎም ጀጋኑኡን ኵሎም ኣሕሉቕን ቃላት ኦርዮ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኦርዮ እዙይ ምስ ሰምዐ ፈርሐ፤ ሃዲሙ ኸዓ ናብ ግብፂ ኸደ።
ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ።
ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።