8 እምበኣርከስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ካብ ኣተኻለይ፥ ምሕረት ግበረለይ። በደል እንተ ተረኺቡኒ ግና፥ ስለ ምንታይ ናብ ኣቦኻ እተብፅሐኒ? ባዕልኻ ቕተለኒ” በሎ።
ሕዚ ኸዓ ንጐይታይ ሓልዮትን ተኣማንነትን እተርእዩ እንተ ዄንኩም፥ ንገሩኒ። ዘይትህቡኒ እንተ ዄንኩም ድማ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ክብል ንገሩኒ” በሎም።
ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ክፈልጥ ቃል እተወለይ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣይትቕበረኒ።
ኣቤሴሎም ድማ ንኢዮኣብ፦ “ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መፃእኹ? ንኣይስ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ” ኽትብለለይ ኢለ ልኢኸልካስ ስለ ዘይመፃእኻ እዩ። ሕዚ ኸዓ ምስ ንጉስ ኣራኽበኒ፤ በደል እንተ ተረኺቡኒ ኾይኑ ድማ ይቕተለኒ በሎ።
ዳዊት ድማ ክራኸቦም ወፀ፤ ንሱ ኸዓ፦ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም ናባይ እንተ ደኣ መፂእኹም ኴንኩም፥ ልበይ ምሳኻትኩም ክሰማማዕ ድልዊ እዩ። ኣነ ኣብ ኢደይ ዝኾነ ዓመፅ ዘይብለይ እንትኸውን ኣብ ኢድ ፀላእተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ መፂእኹም ግና፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።
ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።
ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።
ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ።
እቶም ሰባት ከዓ “እቲ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይገሊፅኪ፥ ነፍስና ኽንዲ ነፍስኹም ንሞት ነሕልፍ። እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፥ ብሓቂ ምሕረት ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ።
“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።
ኑሓሚን ከዓ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ “ኪዳ፥ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ገዛ እኖታትክን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ምዉታትን ንኣይን ፅቡቕ ዝገበርክናኦ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻትክንውን ፅቡቕ ይግበረልክን።
ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ።
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ።
ሽዑ ዮናታን “እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቲ ዳዊት ይድለዮ” ኢሉ፥ ምስ ቤት ዳዊት ቃል ኪዳን ኣተወ።
ዮናታን ከዓ “እዙይስ ካባኻ ይርሓቕ። ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም ዝተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፥ ኣነኸ ዘይነግረካዶ ይመስለካ?” በሎ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።