5 ዳዊት ከዓ ንዮናታን፥ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ፤ ኣነ ድማ ምስ ንጉስ ኣብ ማእዲ ኽበልዕ ይግብአኒ ነይሩ። ግና ኽሳዕ ድሕሪ ፅባሕ ምሸት ኣብ በረኻ ኽሕባእ ኣሰናብተኒ።
ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።
ፀላኢ እንተ ዝፀርፈኒ ምተዓገስክዎ፤ ዝፀልአኒውን ንባዕሉ ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል እንተ ዘብል፥ ካብኡ ምተሓባእኹ ነይረ።
ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።
መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ገርህታት ግና ይሓልፉሞ ብእኡ ይጕድኡ።
ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤
ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”
ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
ሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ።
ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።
“ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎሞ፤ በይዛኻ ፅባሕ ንግሆ ተጠንቀቕ፤ ናብ ግሉስ ቦታ ኼድካ ተሓባእ።
ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፦ “ፅባሕ ወርሒ እትወፀላ በዓል እያ። እታ ወንበርካ ጥራሓ ኽትከውን እያ እሞ ኸም ዘየለኻ ኽትፍለጥ ኢኻ።
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኣዐሪኻ ኽትፍለጥ ኢኻ እሞ ቐልጢፍካ ውረድ፤ ናብታ እቲ ነገር ኽግበር ብዝተሓሰበላ መዓልቲ ተሓቢእኻላ ዝነበርካ ቦታ ምፃእ፤ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ድማ ተቐመጥ።
ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ከዓ ንጉስ ክበልዕ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
ወርሒ ምስ ወፀት ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ወንበር ዳዊት ጥራሓ ነበረት። ሳኦል ከዓ ንዮናታን ወዱ፤ “ወዲ እሴይ ትማሊ ኾነ ሎሚ ናብ ማእዲ ዘይመፀ ስለ ምንታይ እዩ?” በሎ።
ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፥ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፥ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤተ ልሔም ክኸይድ ኣፅኒዑ ለሚኑኒ በል’ በሎ።