3 ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።
ኢታይ ግና ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ! ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ብህይወት ኮነ ብሞት ኣነ ሓሽከርካ ኣብኡ ኸም ዝህሉ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ኤልያስ ከዓ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ክኸይድ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ። ናብ ቤቴል ድማ ወረዱ።
ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ።
ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ።
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።
ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ህይወትወኩም ኣብ ቅድሜኹም ዝተንጠልጠለ ክኸውን እዩ፤ ለይትን መዓልትን ድማ ኽትፈርሑ ኢኹም፤ ብህይወትኩም ከዓ ኣይትተኣማመኑን ኢኹም።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍርሑ፤ ንእኡ ጥራሕ ኣምልኹ፤ ብስሙውን መሓሉ።
ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ፥ ነቲ ዝተብሃለ የፅንዖ፤ ንዅሉ ኽርክር ከዓ ይውድኦ።
ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።
ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።
ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፥ “ኵሉ ነፍስኻ ዝደለየቶ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
“ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ።
ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።