2 ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።
ንሳቶም ድማ፥ “ጐይታይ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ኢልካ ትዛረብ? ከምዙይ ዝበለ ነገር ንሕና ኸቶ ኣይገበርናዮን።
መስዋእትን ቍርባንን ኣይፈተኻን፤ ስጋ ኣዳለኻለይ፤ ዝቃፀልን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይትደልን ኢኻ።
እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።
ጐይታ እግዚኣብሄር ንእዝነይ ከፈተለይ፤ ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን።
መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።
“ንሕናስ ብዘይ እቲ ኣብ ቅድሚ መሕደሪ ዘሎ መሰውኢ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፥ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምኽዳዕን ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳልን የድሕነና።”
ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ።
እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል “ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ኮይኑ ዓብዪ ዓወት ሂቡና እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ? የለን ኣይኸውንን። ካብ ፀጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ብህያው እግዚኣብሄር ንምሕል ኣለና” በሉ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዮናታን ካብ ሞት ኣድሓንዎ።
ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ።
ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።
ሳኦል ቅድሚ ምምፅኡ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ ኢሉ ገሊፁሉ ነበረ፦