12 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ።
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
ንሱስ ንመንገደይዶ ኣይሪኣን እዩ? ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?”
ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤ ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።
ምኽሪ፥ ኣብ ልቢ ሰብ፥ ከምቲ ኣብ ዓሚቝ ዒላ ዘሎ ማይ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ግና ይቐድሖ።
“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።
ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።
ኣቦይ ብኣኻ ኽፉእ መኺሩ እናሃለወ እንተ ዘይነገርኩኻ፥ ብደሓን እውን እንተ ዘይሰደድኩኻ፥ እግዚኣብሄር ይቕዘፈኒ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፥ ምሳኻ ይኹን።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።