11 ዮናታን ድማ ንዳዊት “ንዓናይ እሞ ናብ በረኻ ንውፃእ” በሎ። ክልቲኦም ከዓ ናብ በረኻ ወፁ።
ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፥ “ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ መን ክነግረኒ እዩ?” በሎ።
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፤ ፅባሕ ወይ ድሕሪ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ብዛዕባኻ ነቦይ መርሚረ፥ እንሆ ኸዓ፥ ደሓን እንተ ኾይኑ፥ ሽዑ ልኢኸ ኽነግረካ እየ።