8 ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።
ሽዑ ፈርዖን ልኢኹ ንዮሴፍ ፀውዖ፤ ቀልጢፎም ድማ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ርእሱ ላፅዮም ክዳኑ ለዊጦም ድማ፥ ናብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረብዎ።
ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ።
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
“ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ገበርኩኻ፤ ንስኻ ግና ብመንገዲ ኢዮርብዓም ከድካ፤ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ከቘጥዑኒ ኣስሓትካዮም።
ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
ኢዮብ ድማ ዝሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
ንዘለኣለም ከይትናወፅ፥ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣፅንዓ።
ነቲ ድኻውን ካብ ሽግሩ ረድኦ፤ ንወገናቱ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብዝሖም።
ንሱ ኣብ ባሕሪ መስሪቱዋ እዩሞ፥ ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ።
ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ፤ ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ።
ንሓጥኣን፥ “ኣይትበድሉ” በልኩዎም፤ ነቶም ሓጢኣተኛታትውን “ቀርንኹም ኣይተልዕሉ” በልክዎም።
እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩሞ፤ ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር።
እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል።
ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።
እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ።
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’
ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”
ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።