7 እግዚኣብሄር የድኪ፥ የሀብትምውን፤ የዋርድ፤ ልዕል ልዕልውን የብል።
ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ።
ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ።
እግዚኣብሄር የመና ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፥ ከተማታት ሰርሐ፤ ብዙሓት ከፍትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤ ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።
ንዝተዋረዱ ናብ ላዕሊ የደይቦም፤ ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም።
ካብ ቍጥዓኻን ካብ መዓትካን ዝተልዓለ ኣልዒልካ ደርበኻኒ።
እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩሞ፤ ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር።
ፅዋዕ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ዘይተሓዋወሰ ወይኒ መልአሉ፤ ካብዙይ ናብቱይውን ሓዋወሶ፤ ግና ሓተላኡ ኣይፈሰሰን፤ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ድማ ኽሰትይዎ እዮም።
ሃብታምን ድኻን ተራኸቡ፤ ንዅላቶም ዝፈጠሮም እግዚኣብሄር እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ።
ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።”
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።