4 ቀስቲ እቶም ሓያላት ሰበረ፤ ነቶም ድኹማት ከዓ ሓይሊ ኣዕጠቖም።
ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ፤ ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም።
ሰይፎም ናብ ልቦም ይእቶ፤ ቀስቶምውን ይሰበር።
ሓይሊ ኽፉኣት ክትስበር እያ፤ ንፃድቃን ግና እግዚኣብሄር ክድግፎም እዩ።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላፃን ዋልታን ሰይፍን፥ ኵሉ ኣፅዋር ውግእን ሰባበረ።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።
ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”
ኣብ ልዕሊ ባቢሎን መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ጀጋኑኣ ኽማረኹ እዮም፤ ቀስትታቶም ክሰባበር እዩ፤ እግዚኣብሄር ንግፍዐኛ ዝብቀል፥ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ዝፈዲ ኣምላኽ እዩ።
ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
እንታይ እሞ ኽብል እየ? ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቅ፥ እኒ ሶምሶን፥ እኒ ዮፍታሔ፥ እኒ ዳዊት፥ እኒ ሳሙኤል፥ ከምኡውን ብዛዕባ ነቢያት ከይትርኸልኩም ጊዜ የብለይን።
ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤