3 ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፤ ርድኣዮውን፤ ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኽፈርሑኻስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፥ ከከም መንገዱ ኽፈሎን ሃቦን።
እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤ ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።
ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።
ኣምዑቶም ብስብሒ ቛፀሩ፤ ብኣፎም ድማ ትዕቢት ተናገሩ።
እተን ኣብ ልዕሊ ፃድቕ ብትዕቢትን ብንዕቐትን ዝዛረባ፥ ከናፍር ሓሰት ይተዓበሳ።
እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።
ቀርንኹም ክሳዕ ላዕሊ ኣይተልዕሉ፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ዓመፅ ኣይትናገሩ።
ይከራኸሩ፥ ዓመፅውን ይዛረቡ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅ ይዘሃሩ ኣለዉ።
ሰብ ኵሉ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንፁህ እዩ፤ መንፈስ ዝምዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።
“እንሆ እዝ ዅሉስ ኣይፈለጥክዎን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝምርምር ኣየስተውዕልንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕሉስ ኣይፈልጥንዶ? ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ?
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።
መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
‘ቴቄል’ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ ማለት እዩ።
“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
“እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ይፈልጦ እዩ፤ ህዝቢ እስራኤልውን ይፍለጦ፤ ንእግዚኣብሄር ክንብድልን ንኡኡ ኽንከድዕን ኢልና እንተ ደኣ ጌርናዮ ዄንና፥ ሎሚ መዓልቲ እንተየናሕሰኹም ቅተሉና።
ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።
ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ።
እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ።