23 ንኣኣቶም ከዓ “እዝ ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ኽፉእ፥ ግብርኹምስ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኹም ኸምዙይ ዝበለ ነገር እትገብሩ ዘለኹም?
ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!
ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ።
ኣይፋልኩምን ደቀይ፥ እቲ ብዛዕባ ንህዝቢ እግዚኣብሄር እትገብርዎ ዘለኹም እሞ ኣነ ኸዓ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ፅቡቕ ኣይኮነን።