22 ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ።
ነቲ ገበራ ብነሃስ ገይሩ ሰርሐ፤ ምስ ኣጋሮኡ ሰርሐ፤ እዝ ነሃስ እዙይ፥ እተን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ዘምፅኣኦ ናይ ነሃስ መስትያት እዩ።
ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ።
ንኣኣቶም ከዓ “እዝ ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ኽፉእ፥ ግብርኹምስ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኹም ኸምዙይ ዝበለ ነገር እትገብሩ ዘለኹም?
እቶም ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምፅኡ እናፈለጠ፥ ብዘይምኽልካሉ ስለ ዝበደለ፥ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳ ኣፍሊጠዮ እየ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረድቲ ገበሮም።