21 እግዚኣብሄር ድማ ንሃና ዘከራ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ከዓ ወለደት። ህፃን ሳሙኤል ድማ ንእግዚኣብሄር እናገልገለ ዓበየ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።
እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።
ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።
“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገለፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።
እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።
ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።
እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።
ህፃን ሳሙኤል ከዓ እናዓበየን፥ ብእግዚኣብሄርን ብሰብን ድማ ሞገስ እናረኸበን ከደ።
ሳሙኤል ከዓ ዓበየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ሳሙኤል ካብ ዝዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ መሬት ኣይወድቕን ነበረ።