Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 2:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ እንተለዉውን፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መፂኡ “እቲ ኻህን ጥረ ስጋ ደኣ እምበር፥ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፥ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ” ይብሎ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 2:15
8 Referencias Cruzadas  

ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።


እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።


እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።


መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።


እዚኣቶም፥ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ማእድኹም ፀየቕቲ እዮም፤ እንተይሓፈሩ ብስድነት፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ ንባዕላቶም ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ንፋስ ንየው ነዘው ከም ዝደፍኦ፥ ማይ ከም ዘይብሉ ደመና እዮም። ካብ ሱረን ዝተበቈሳ፥ ክልተ ሻዕ ዝሞታ፥ ብእዋን ፍረ፥ ፍረ ኸም ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ እዮም።


ናብቲ ኣብ ቍራዕ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ መቝሎ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ድስቲ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ፃሕሊ ዘሎ ስጋ ይወግእ፤ እቲ መቝለብ ዘልዓሎ ዝኾነ ስጋ ኸዓ እቲ ኻህን ንባዕሉ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሴሎ ዝመፁ ዅሎም እስራኤላውያን ከምዙይ ይገብርዎም ነበሩ።


ሽዑ እቲ ሰብኣይ “ቅድም እቲ ስብሒ ይሕረር፤ ደሓር ዝደለኻዮ ትወስድ” እንተ በሎ፥ ንሱ ኸዓ “ኣይኾንን፤ ሕዚ ደኣ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ብሓይሊ ኽወስድ እየ” ይብሎ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos