11 ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።
ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።
ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።
ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ህፃን ሳሙኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በቲ ዘመን እቱይ ቃል እግዚኣብሄር ብርቂ ነበረ፤ ራእይውን ኣይግለፅን ነበረ።
ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ።
ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።