7 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።
ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ።
ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”
ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።
ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መፀ እሞ ኣገልጋሊኡ ኾነ፤ ሳኦል ከዓ የመና ፈተዎ፤ ዳዊት ድማ ተሸካም ኣፅዋሩ ኾነ።
ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።
ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።
ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፤ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን።
ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።
መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።