Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 19:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4-5 ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል “ዳዊት ኣይበደለካን፤ ግብሩ ኸዓ ንኣኻ ጠቒሙካ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሽከርካ ዳዊት በደል ኣይትፈፅም። ንሱ ንህይወቱ እንተይሰስዐ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን እዙይ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለ ምንታይከ ብዘይ ምኽንያት ንዳዊት ብምቕታል ኣብ ደም ንፁህ ሰብ ትብድል?” ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ፅቡቕ ተዛረበ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 19:4
15 Referencias Cruzadas  

ሮቤል ከዓ “ኣብዝ ቘልዓዙይ፥ በደል ኣይተብፅሑ እንዶ ኣይበልኩኹምን? ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። ስለዙይ ድማ እንሆ ደሙ ይደልየና ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።


እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።


“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ፥ ሓቁ ምእንቲ ኽፍለጥ ከዓ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኽምሕል እንተ መፀ፥


ክንዲ ሰናይ ክፉእ ፈደዩኒ፤ ንነፍሰይውን ውሉድ ኣስኣንዋ።


ብዘይ በደል ጐየኹ፤ ተዳለኹውን፤ ተስእ፤ ተቐበለኒ፤ ረአውን።


ክንዲ ሰናይ ክፉእ ንዝፈዲ ሰብ፥ ካብ ቤቱ መከራ ኣይርሕቕን።


ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።


እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።


ኵሉ ንሓዉ ዝፀልእ፥ ቀታሊ ነፍሲ እዩ። ኵሉ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።


ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን።


ዮናታን ከዓ ነቦኡ ሳኦል “ስለ ምንታይ እዩ ዝመውት? እንታይከ ገይሩ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።


ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos