12 ሜልኮል ከዓ፥ ብመስኮት ኣስሊዃ ኣውረደቶ እሞ ኸደ፤ ሃዲሙውን ኣምለጠ።
ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
ገዛኣ ኣብ ጥቓ ቕፅሪ መንደቕ እታ ኸተማ ነበረ እሞ፥ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም።
ኣወዳት ደቂ ሳኦል፥ ዮናታን፥ የሱዊ፥ ሜልኪሳ ይብሃሉ ነበሩ። እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸዓ፥ እታ በዅሪ ሜሮብ፥ እታ ንእሽተይ ድማ ሜልኮል ይበሃላ ነበራ።