10 ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።
ነፍስና ኸም ዒፍ ካብ መፈንጠር ሃዳኖ ኣምለጠት፤ መፈንጠር ተበተኸ፤ ንሕናውን ኣምለጥና።
ካብቶም ብርቱዓት ፀላእተይ፥ በርቲዖምኒ ነይሮም እዮምሞ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ።
ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።
ንሳቶም ክፉእ ንምግባር ይጐዩ፤ ኣእጋሮም ከዓ ደም ንምፍሳስ፥ ቅልጡፋት እየን።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?
ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።
ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤
ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።
“ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣጣቢቐ ኽቐትሎ እየ” ኢሉ ድማ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ግና ኽልተ ሻዕ ካብ ቅድሚኡ ዘወር በለ።
ሳኦል፥ ዘረባ ዮናታን ምስ ሰምዐ፥ “ዳዊት ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብህያው እግዚኣብሄር መሓለ።
ሳኦል ድማ ኽወግኦ ዂናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፥ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝወሰነ ፈለጠ።