Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 18:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ውግእ ኣተዉ። ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣንስቲ ብኸበሮን ብዕልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወፃ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 18:6
11 Referencias Cruzadas  

ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፥ ኣዋልድ እቶም ዘይግሩዛት ደስ ከይብለንስ፥ እዙይ ኣብ ጌት ኣይነገር፤ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎናውን ኣይወረ።


ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዅሉ ዓይነት ቃናታት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጭላትን ብፀናፅልን ብምሉእ ሓይሎም እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ።


ንስሙውን ብስዕስዒት የመስግኑ፤ ብኸበሮን ብመሰንቆን ይዘምሩሉ።


እግዚኣብሄር ቃሉ ሃበ፤ እቶም ዘውርዩ ድማ ብዙሓት ሰራዊት እዮም።


ኣሕሉቕ ቀደሙ፤ መዘምራንውን ሰዓቡ፤ ከበሮ ዝወቕዓ ደናግል ኣብ ማእኸል ነበራ።


ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።


ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦ “እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”


ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።


ዮፍታሔ ድማ ናብ ምፅጳ ናብ ገዛኡ ምስ መፀ፥ ጓሉ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ክትቅበሎ ወፀት። ሓንቲ ንሳ ጥራሕ እያ ውላዱ፥ ብዘይ ንሳ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።


ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos