4 ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።
ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ድማ፥ ንዮሴፍ ኣብ ኢዱ ገበረሉ፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽ ከደኖ፤ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ገበረሉ።
ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፥ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣይትፈልጥን። ሰይፊ ሳኦልውን ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ጥራዩ ተመሊሱ ኣይፈልጥን።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ።
ዳዊት ከዓ፥ ሳኦል ኣብ ኵሉ ዝለኣኾ ብምስትውዓል ተልእኾኡ ይፍፅም ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ኽፋል ተዋጋእቲ ሰራዊቱ ሓለቓ ገበሮ። እዙይ ከዓ ንዅሎም ህዝብን ሹመኛታት ሳኦልን ኣሐጐሶም።