3 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፥ ኪዳን ኣተወሉ።
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
ፈተውቲ ዘብዝሕ ሰብ ይጠፍእ፤ ግና ኻብ ሓው በሊፁ ዝቐርብ ፈታዊውን ኣሎ።
ሳኦል ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ሓሻኽሩን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ብዙሕ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ
እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።
ዮናታን ድማ ንዳዊት፥ “ብሰላም ኪድ፤ ንሕና ኽልቴና፥ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን’ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተመሓሒልና ኢና” በሎ። ዳዊት ከዓ ተሲኡ ኸደ፤ ዮናታንውን ናብ ከተማ ኣተወ።
ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።