Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 18:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 18:10
17 Referencias Cruzadas  

ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።


ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓወት ክህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።


ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።


ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።


ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።


“ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ።


እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ሳኦል ክመፅእ እንተሎ ዳዊት በገና ሒዙ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ንሳኦልውን የሐጕሶ ነበረ፤ የዕርፎውን ነበረ፤ እቲ ኽፉእ መንፈስውን ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።


ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ኽጥምቶ ጀመረ።


ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ከጣብቖ ወርወረ፤ ንሱ ግና ኻብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፤ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኸለ። ዳዊት ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሙ ኣምለጠ።


ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ፀውዖ፤ እዝ ዅሉ እዙይ ከዓ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፥ ዳዊት ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።


እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።


እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos