3 ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ።
ንሱ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም ድማ፥ ዮናታን፥ ወዲ ሳማ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።
ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ።