2 ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
ንሳቶም ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።”
ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ።
ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ።
እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ።