8 ሽዑ እሴይ ንኣሚናዳብ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ።
ወዲ ኣሚናዳብ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር ዶር። (ንጣፈት ጓል ሰሎሞን ኣእትዩ ዝነበረ እዩ።)
ደቂ እሴይ፦ በዅሪ ኤልያብ፥ ካልኣይ ኣሚናዳብ፥ ሳልሳይ ሳማን፥
እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ተኸቲሎም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስሞም ከዓ እቲ በዅሪ ኤልያብ፥ እቲ ኻልኣዩ ኣሚናዳብ፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይበሃሉ ነበሩ።
እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።