4 ሳሙኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፤ ናብ ቤተ ልሔምውን ከደ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ እናንቀጥቀጡ ተቐበልዎ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኸዓ በልዎ።
ራሄል ድማ ሞተት። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብታ ሕዚ ቤተልሔም እትበሃል ዘላ ተቐበረት።
ኣነ ኻብ መስጴጦምያ ኽምለስ እንተለኹ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ንኤፍራታ ኽበፅሕ ቑሩብ ምስ ተረፈኒ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ቐበርኩዋ።”
ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ።
ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
እቲ ኻብ ሓጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ድማ ናብ ቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን መፀ። ንሳ ኸዓ “ናባይ ምምፃእኻስ ብሰላም ድዩ?” በለቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም እዩ” በላ።
ኢዮራም ንኢዩ ምስ ረአዮ “ኢዩ፥ ብሰላም ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እቲ ናይ እኖኻ ኤልዛቤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን እቲ ብዙሕ ጥንቍልናኣን ክሳዕ ዘሎ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።
ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ።
ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።
እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ህዝቢ ብምሉኦም፥ ዓብዪ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ካብ ዓዶም ክወፅእ ንኢየሱስ ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ጃልባ ደዪቡ ተመለሰ።
ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።