2 ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ።
ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።
‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌትና ዝውፈ መስዋእቲ ኣሎ እሞ፥ ሓወይ ፀዊዑኒ ኣሎ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ከይደ ኣሕዋተይ ክርኢ በይዛኻ ስደደኒ’ በለኒ። ስለዙይ እዩ ናብ ማእዲ ንጉስ ዘይመፀ” ኢሉ መለሰሉ።
ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ።