Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 16:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 እምበኣርከስ ሕዚ ጐይታና ኣብ ቅድሜኻ ዘለና ኣገልገልትኻ፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ክንደሊ ኣዝዘና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ናባኻ እንትመፅእ ንሱ ብኢዱ በገና ኽፃወተልካ እዩ እሞ ኽሕሸካ እዩ” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 16:16
10 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ።


እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!


“ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ።


“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።


መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ።


እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንሳኦል “እንሆ፥ ካብ ኣምላኽ ዝመፀ ኽፉእ መንፈስ የሳቕየካ ኣሎ።


ሳኦል ድማ ንኣገልገልቱ “እምበኣር ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ደሊኹም ርኸቡለይ እሞ ናባይ ኣምፅኡለይ” በሎም።


ንፅባሒቱ ድማ እቲ ብኣምላኽ ዝተልአኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ ትንቢት ተናገረ። ዳዊት ድማ ኸም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ፤ ሳኦልውን ብኢዱ ዂናት ሒዙ ነበረ።


እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መፀ፤ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ እንተሎ ኸዓ፥ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos