12 እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።
ኵሉ ሃብቱ ኸዓ ናብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጀራ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቑመናኡን መልክዑን ፅቡቕ ነበረ።
መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዙይ እዩ፤ እቲ ልዕል ልዕል ዘበሎ ሰብ፥ እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ዝቐብኦ፥ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ዝኾነ፥ ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ።
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ።
ነገስታት ምድሪ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ሓበሩ፤ ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦
“ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።”
ንባርያኡ ዳዊት ሓረዮ፤ ካብ መጓሰ ኣባጊዕውን ወሰዶ።
እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። እቲ ህፃን ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ከዓ፥ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ።
ፍቱወይስ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ዝተመርፀ፥ ወዛምን ምልኩዕን እዩ።
ዛይ። ኣሕሉቓ ኻብ በረድ ዝፀረዩ፥ ካብ ፀባ ዝፅዕድዉ፥ ሰብነቶም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዝቐይሕ፥ መልክዓቶምውን ከም ሰንፔር ነበረ።
ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።
ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።
ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።
ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ።
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።
እቲ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ ከዓ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረአዮ፥ ንሱ ቐይሕ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ እሞ ነዓቖ።
ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ፥ እግዚኣብሄር፥ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዙይ እዩ” በሎ።