11 ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “እዚኣቶም ጥራሕ ድዮም ደቅኻ?” በሎ። ንሱ ግና “ገና እቲ ንእሽተይ ተሪፉ ኣሎ፤ እንሆ ድማ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “ንሱ እንተይመፀ ኣብ ማእዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ ልኢኽካ ኣምፅኣዮ” በሎ።
ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ኣነ ኻብቲ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
ሙሴ ድማ ኣባጊዕ ሓሙኡ ዮቶር ካህን ምድያም፥ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናዀብኰበን ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ደብሪ እግዚኣብሄር ተብሂሉ ዝፅዋዕ እምባ ኮሬብ መፀ።
እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ።
እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ድማ ዳዊት ምስቶም ሰባት ክዛረብ እንተሎ ሰሚዑ፥ የመና ተቘጥዖ፤ “እንታይ ክትገብር ናብዙይ ወረድካ? እተን ውሑዳት ኣባጊዕኸ ኣብ በረኻ ምስ መን ገዲፍካየን? ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ እፈልጥ እየ፤ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘለኻ” በሎ።