Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 15:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 15:9
10 Referencias Cruzadas  

እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ።


ወልደ ኣዴር ድማ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፥ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ዕዳጋ ግበር” በሎ። ኣክኣብ ከዓ “ኣነ ድማ በዝ ውዕሊ እዙይ ሓራ የውፅአካ ኣለኹ” በሎ። ምስኡ ኺዳን ተኣታትዩ ኸዓ ሰደዶ።


ካብቲ ዝተሓረመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ከይተርግምዎ፥ መከራውን ከይተምፅኡሉ ተጠንቀቑ።


ካብቲ ዝተዘምተ ሓደ ፅቡቕ ካባ ሰናዖርን ክልተ ኺሎ ግራም ብሩርን ፍርቂ ኺሎ ግራም ዝምዘን ወርቅን ምስ ረአኹ፥ በሃግክዎ እሞ ወሰድክዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ድንኳነይ ኣብ ዘሎ ምድሪ ቤት፥ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ኣሎ” በሎ።


ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ።


ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ።


ስለ ምንታይ ኢኻ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይፈፀምካ? ስለ ምንታይከ ናብቲ ዝተዘምተ ሰሲዕኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ?” በሎ።


ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።


ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘይፈፀምካን ከምቲ መዓት ቍጥዓኡ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋእኻዮምን እዩ፥ እግዚኣብሄር ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዘውረደልካ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios