6 ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።
ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።
ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም።
ብህይወት ክትነብሩስ ስንፍና ሕደጉ፤ ብመንገዲ ምስትውዓል ድማ ተመላለሱ።
ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ኣውያቶም ሰሚዖም “ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ።
ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም።
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።
እቶም ነጋዶ፦ ‘እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ፥ ካባኺ ሓሊፉ፤ ሃብትኽን ግርማኽን፥ ካባኺ ጠፊኡ፤ ድሕሪ ደጊም፥ እዙይ ከቶ ኣይርከብን እዩ’ ኽብሉ እዮም።
እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።
ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ።
ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ።
ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥