4 ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ።
ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥
ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ።
ሳሙኤል ድማ ኻብ ጌልገላ ተልዒሉ፥ ናብ ገባዖን ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ቘፀሮም፤ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ኸዓ ኾኑ።
ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ።