2 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ።
ቲምናዕ ድማ ዕቅብቱ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ንኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ካብ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም።
ሰብ ጌባልን ኣሞናውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም።
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።
እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤
ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤ መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”