10-11 ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ።
ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።