4 በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ፥ ብኽልቲኡ ወገና ጨላቝ ኣኻውሕ ነበረ። እቲ ሓደ ቦፄፅ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔ ይበሃል ነበረ።
ኣብ ገደል ይነብር፤ ኣብ ገምገም ገደልን ኣብ ፀግዑን ይሓድር፤
ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ።
እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ።