2 ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።
ሓደ መዓልቲ ድማ፥ ከምዙይ ኮነ፦ ዮናታን ወዲ ሳኦል፥ ነቦኡ እንተይነገረ፥ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ፥ “ንዓናይ፥ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ።
ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።