9 ሽዑ ሳኦል “ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብዙይ ኣምፅኡለይ” በለ። ባዕሉ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውአ።
ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ።
እታ ዝዓበየት ኰረብታ ገባዖን ነበረት እሞ፥ እቲ ንጉስ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቱይ ከዓ ሰሎሞን ሽሕ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።
“ሕነይ ክፈዲ” ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ።
መስዋእቲ ሓጥኣን ኣፀያፊ እዩ፤ ምናዳ ብኽፉእ ሓሳብ እንተቕርብዎ ኣፀያፊ እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ፥ ፅድቅን ቅንዕናን ምግባር ይፈቱ።
“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ።
ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ።
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣኪያ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኤፉድ ተኸዲኑ ነበረሞ፥ ሳኦል ንኣኪያ “ነቲ ኤፉድ ታቦት እግዚኣብሄር ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ።