Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 13:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ገሊኣቶም ዕብራውያን ከዓ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ገለዓድን ከዱ። ሳኦል ግና ገና ኣብ ጌልገላ ነበረ፤ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጡ ተኸተልዎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 13:7
15 Referencias Cruzadas  

ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።


እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።


“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።


“ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ወረስናያ፥ ነቲ ብሰሜን ከተማ ኣሮዔር፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣርኖን ዘሎን፥ ፍርቂ ደጕዓ ገለዓድ ምስ ናይ ከተማታታን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም።


ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥


ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ።


እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ።


ሳኦል ከዓ ኸምቲ ሳሙኤል ዝመደበሉ ሸውዓተ መዓልቲ ተፀበየ፤ ሳሙኤል ግና ናብ ገለዓድ ኣይመፀን። እቲ ህዝቢ ድማ ንሳኦል ሓዲግዎ ፋሕ ክብል ጀመረ።


ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን።


እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos