Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 13:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 13:3
12 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ኢዮኣብ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ። ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣየሳጐጉዎምን፥ እቲ ውግእ ድማ ደው በለ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ።


ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ።


በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት።


ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።


ክፊርዓሞናይን ዖፍኒን ጋባን፥ ኵለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።


ካብ ነገድ ብንያም ድማ ገባዖን ምስ መዋፈሪኣ፥ ናሲብ ምስ መዋፈሪኣ፥


ናብ ዓዱ ምስ ኣተወ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኮይኑ መለኸት ነፍሐ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ናብኡ መፁ። መሪሕዎም ከዓ ኻብቲ ዀረብታታት ወረደ፤ ንሳቶምውን ደድሕሪኡ ሰዓቡ።


መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ።


“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።


ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos