16 ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ።
በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት።
ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።
ሳኦል ከዓ ኣብ ወሰን ጊብዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መጌዶል ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፤ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸዓ ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።