12 ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ።
ንእግዚኣብሄር ከምዙይ በልዎ፦ ስራሕኻ ግሩም እዩ፤ ሓይልኻ ብዙሕ እንትኸውን ፀላእትኻ ሓሰዉኻ።
ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤
እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ።
ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ።
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ? እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥ ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።