Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 13:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ሳሙኤል ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ” በሎ። ሳኦል ከዓ “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፥ ንስኻ ድማ በተን ዝተመደባ መዓልቲታት ከም ዘይመፃእኻ፥ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ማክማስ ከም ዝተኣከቡ ረአኹ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 13:11
12 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።


እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።


ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እዝ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እንሆ ኣበኔር መፂኡካ እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ክኸይድ ዝሰደድካዮ?


ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።


ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ።


ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።


ስለዙይ ‘ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይፀለኹ እንተለኹ፥ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጌልገላ ሕዚ ኽወርዱ እዮም’ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ደፊረ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረብኩ” በሎ።


ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ህዝብን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ሰፊሮም ነበሩ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ማክማስ ሰፊሮም ነበሩ።


ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።


ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ መሳገሪ ማክማስ ወፀ።


ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።


እቲ ሓደ ጨላቝ ኰዅሒ ብወገን ሰሜን ኣብ መንፅር ማክማስ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ብወገን ደቡብ ኣብ መንፅር ጊብዓ ደው ኢሎም ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos