10 ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈፀመ ኸዓ ሳሙኤል መፀ። ሳኦል ከዓ ኽቕበሎ ወፀ።
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ፥ “በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፤ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣለና” ኣይብሉን።
እንሆ ድማ ቦኤዝ ካብ ቤተ ልሔም መፂኡ ነቶም ዓፃዶ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በልዎ።
ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ።
ንኣቢግያ ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ “እንሆ፥ ዳዊት ካብ ምድረ በዳ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፤ ንሱ ኸዓ ሰጐጎም።